ካብ ስደተኛ ናብ ተቀማጣይ
“ናይ መጀመርታ ተመስጦኻ፣ ተመኩሮኻ ስእሊ ኣካፍል”
“ካብ ስደተኛ ናብ ተቀማጣይ” ብዛዕባ ሓደሽቲ ተቀማጦ መጽናዕቲ ዘካይድ ፕሮጀክት ኢዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ካብ ዝተፈላለዩ ኩርንዓት ዓለም ሓደስቲ ሰባት ናብ ኡትረኽት ኪነብሩ ይመጹ። ኣብ መስርሕ ናይዚ ምግዕዓዝ ትካል ስደተኛታት ነዘርላንድ( VWN)ንስደተኛታት ዝተፈላለዩ ሓገዛት የቅርብ፣ ንኣብነት ኣብ መስርሕ ምፍርራም ዉዕል ገዛ። ዕላማ ናይዚ ፕሮጀክት ተመክሮ ናይዞም ሓደሽቲ ተቀማጦ ምእካብን ምስኦም ኮንካ ድማ ሓሳባት ምቅራብ ኢዩ። ናብዚ ፕሮጀክት ሓሳባትካን ስኢሊታትካን ብምቅራብ ክትሳተፍ ትዕደም።
ናይ ፈለማ ተመስጦኻ ናይ ትነብረሉ ኣከባቢ ወይ ብዛዕባ ኡትረኽት እንታይ ኢዩ?
እሸገርቲ፣ ደስ ዘብሉ፣ ዜስሕቁ ግዜታት ኣየኖት አዮም?
እዚ ናይ ምጉዕዓዝ ግዜ ብ ከመይ ይመሓየሽ ይኽኢል ትብል?
ነፍሲ ወከፍ ተመክሮ ናይ ሓዲሽ ምጂማር ዝተፈላለየ ከም ምኻኑ መጠን፣ ነዚ ናይ መጀመርታ ወርሒ ናብ ኡትረኽት ምግዓዝካ/ኪ ተመክሮ ምሳና ከተካፍል/ሊ ብዓል ምሉእ ተስፋና ኢና። ገለ ክፋል ናይ ዝተኣከበ ስኢልታት ኣብ ምርኢትን ኣብ ናይዚ ፕሮጀክት መርበብን ኪቀርብ ኢዩ።

ተገዳስነት ወይ ድሌት ኣሎካ? ከመይ ገርካ ትሳተፍ?
ተገዳስነት ወይ ድሌት ኣሎካ? ከመይ ገርካ ትሳተፍ?
ዝኾነ ዓይነት ኣበርክቶ ቁቡል ኢዩ! ንኣብነት፥ ኣብ ሓዲሽ ገዛኻ ወይ ካልእ ዝመረጽካዮ ቦታ ኮንካ ብዛዕባ ተመኩሮኻ ምዕላል፣ እዚ ውን ኣብ ከተማ ወይ ትነብረሉ ኣከባቢ እንዳዞርካ ኪኸውን ይኽእል። ወይ ድማ ዛንታ ናይ ፈለማ ተመክሮኻ ወይ ተመስጦኻ ወይ ከኣ ሲእልታት ምስዳድ ይከኣል።
ሓበሬታ ብዛዕባ እዚ ፕሮጀክት
እዚ ፕሮጀክት ዩኒቨርስቲ ኡትረኽት ብሓባር ምስ ትካል ስደተኛታት ነዘርላንድ(VWN)ን ዝተዳለወ ኮይኑ፣ ተመክሮታትን ስእልታትን ሓደሽቲ ተቀማጦ ብምእካብ ብዛዕባ መስርሕ መግዕዓዞም ዝለዓለ ርድኢት ምርካብ ዝዓለመ ኢዩ። ከምኡ ውን ን ሓደሽቲ ተቐማጦ ተመክሮኦም ከካፍሉን፣ ኣብ መጻኢ ኪመሓየሽ ዝኽእል ተወሳኺ ሓሳባት ከቅርብሉ ዝኽእሉ ዕድል ዝኸፍት ኢዩ። ብ ቓንቓኻ ክትዛረብ ምስ ትደሊ፣ ብ ትግሪኛ፣ ዓረብ፣ ፋርሲ ምዝራብ ይከኣል። ከም ኣብ ኡትረኽት ተወሊደ ዝዓበኹ መጠን፣ ን ኡትረኽት ብ ዓይንኻ እንታይ ከም ትመስል ክርኢያ ብዙሕ ይህንጠ!